መድሕን

ውዕል መድሕን ክፍረም ከሎ ገሊኦም ዓይነታት ውዕላት መድሕን ጥዕናዊ ሓበሬታ ክትህብ ዝጠልቡ ኣለዉ። ገለ ካብዚኦም መድሕን ሂወትን ስክንልናን (livs- og uføreforsikringer) እዮም።

scheduleOppdatert: 23.07.2021

createForfatter: Sekretariatet

labelEmner:

ምስ ጥዕና ምትሕሓዝ ዘለዎም ውዕላት መድሕን ክትፍርም ከለኻ ርእሰ-ገለጻ ጥዕና ክትመልእ ትሕተት ኢኻ። እቲ ትካል ጥዕናኻ ኣብ ዝግምግመሉ እዋን ኣብዚ ሓበሬታ እዮም ዝሙርኮሱ። እዚ ሓበሬታ ኣብቲ ናትካ ውዕል መድሕን ቅኑዕ ዋጋን ቅጥዕትታትን ንኽልክዑ እዮም ዝጥቀሙሉ። እቲ መድሕን ደልዩ ዘመልክት ሰብ ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ክህብ ግዴታ ኣሎዎ። እቲ ሓበሬታ ቅኑዕ እንተዘይኮይኑ እቲ ካሕሳ መድሕን ዘኽፍል ኩነት እንተዳኣ ኣጋጢሙ እቲ ገንዘብ ኣይኽፈለካን እዩ። ጥዕናዊ ሓበሬታ ብዕቱብነት ብምስጢር እዩ ዝዕቀብ።  

አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ከም ሰቦም ውዕል መድሕን ሂወትን ስንክልናን ክፍርሙ ይኽእሉ እዮም። ተኽእሎታት ወይ ድማ ኣስጋእቲ ረቛሒታት ኣብቲ ጉዳይ ዘለዉ ውልቃዊ ቅድመ-ኩነት ብምግምጋም እዩ ዝውሰን። እዚ ማለት ከቢድ ጥዕናዊ ጸገማት ዘለዎም ሰባት ውዕል መድሕን ክኽልከሉ ይኽእሉ እዮም ማለት እዩ። እቶም ኣብ ዕዉት ሕክምና ዝርከቡ ሰባት ግን ብንቡር ቅጥዕታት ውዕል መድሕን ክወሃቦም ይግባእ ወይ ድማ ብቅሩብ ክብር ዝበለ ዋጋ።  

ካልእ ውዕላት መድሕን 

ንካልእ ውዕላት መድሕን አችኣይቪ ብኸመይ ይጸልዎ ንዝብል ከኣ ኣብ ብቐጥታ ምስ ጥዕና ምትሕሓዝ ዘለዎም ጉዳያት መድሕን ጥራሕ እዩ ምስክር ወረቐት ጥዕና ኣረክብ ምባል ዝፍቀድ። እዚ ማለት መድሕን ኣስጋእቲ ረቛሒታት ሞት፡ መድሕን ኣስጋእቲ ረቛሒታት ስንክልና፡ መድሕን ሕክምና፡መድሕን ጥዕና፡ መድሕን ብኩራት ብሕማም ምኽንያትን መድሕን ሓደገኛ ሕማማትን ማለት እዩ።  

መድሕን ኣቕሓ ገዛ ወይ መድሕን መገሻ (innbo- eller reiseforsikring) ክፍረም ከሎ ጥዕና ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣይኮነን። መብዛሕትኦም ትካላት መድሕን ኣብ መድሕን ሓደጋ(ulykkesforsikring) ምስክር ወረቐት ጥዕና ከተቕርብ ኣይሓቱን እዮም። መድሕን ሓደጋ ንውልቀ-ሰብ ዝምልከት መድሕን እዩ፡ንሞጉዳእትታት ዘውሕስ መድሕን ኣይኮነን፡ ከምኡውን ምድቡ ኣብቶም ካልኦት ምስክር ወረቐት ጥዕና ዝጠልቡ ውዕላት መድሕን እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ጥዕናዊ ሓበሬታ ኣብ ከምዚ ዓይነት መድሕን ዘገድስ ስለዘይኮነ ኣብ መድሕን ሓደጋ ጥዕናዊ ሓበሬታ ኣረክብ ኢልካ ምሕታት ኣይፍቀድን እዩ።  

መድሕን መገሻ 

መድሕን መገሻ እንተኾይኑ ድማ ብልቦናን ብሚዛናዊ ዝኾነ ኣገባብን እዩ ክርአ ዘሎ።  ጽቡቕ ጌሩ ዝተሓከመ አችኣይቪ እንተደኣ ኮይኑ፡ ኣብ ኖርወይ ምክትታል ይግበረሉ እንተደኣ ሃልዩ ክትገይሽ ከለኻ ከኣ ኣብ ዝተረጋገአ ኩነታት ዝርከብ እንተደኣ ሃልዩ ኮይኑ፡ ኣብ ሕማም አችኣይቪ ሃንደበታዊ ዘይተጸበኻዮም ለውጥታት እንተደኣ ተራእዮም ብመድሕን ይሽፈነልካ እዩ።  

መድሕን መገሻ ሃልዩካ ንአችኣይቪ ጥዕናዊ ሓገዛት ዘይሽፈነሉ ኣጋጣሚታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፡ ንሶም ድማ ብቐጻሊ ብሰንኪ አችኣይቪ ኣብ ሆስፒታል ትኣቱ እንተደኣ ኮይንካ ወይ ኣብ ቀረባ እዋን ውዕል ጨረታ ኣፋውስ ብምቕያሩ ወይ ብሕክምናዊ ምኽንያት ፈውስኻ ዝቐየርካ እንተኾይንካ።  

ኣፋውስካ እንተደኣ ተሰሪቑ መድሕን መገሻ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደስቲ ኣፋውስ ይሽፍነልካ እዩ፡ እንተኾነ ግና ኣቐዲምካ ገዛኻ ክትምለስ ወጻኢታት መጓዓዝያ ሳሕቲ ጥራሕ እዩ ዝሽፈነልካ።  

Les også

schedule24.03.2023

→ ኣብ ኖርወይ ሓድሽ ዲኻ፡ መድሃኒት ኤችኣይቪ የድልየካ ድዩ፧

ኩሉ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥን ምስ ኤችኣይቪ ዝነብርን ነጻ ሕክምና ኤችኣይቪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ዝቐረበ ሆስፒታል ክፍሊ ተላባዒ ሕማማት ብዘለዉ ዶክቶራት ክርከብ ይከኣል።

schedule31.12.2021

→ ውሑስ ክታበት ኮቪድ 19

ክታበት ኮቪድ-19፣ ኤች/ኣይ/ቪ (HIV) ንዘለዎም ሰባት ክወሃብ ውሑስ ምዃኑ፣ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ትካል መጽናዕቲ ኤይድስ“ -ው/ሕ/ሃ/ት/መ/ኤ-(UNAIDS) ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ናይ ተላገብቲ ሕማማት ሓካይም፣ ነዚ ደጊፎሞ ኣለዉ። ነቶም ኤች/ኣይ/ቪ ዘለዎም ድማ፣ ነቶም ክታበታት ክወስዱዎም የተባብዕዎም።